ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት ናብ ዝብል ቃል ኣተኩይሮም ነቶም መንእሰያት ዘመርቲ "ተዋሳእቲ" ዘይኰኑስ ንኻልኦት ብዘቅርብዎ መዝሙር ኣቢሎም ንኽጽልዩ ዝሕግዝዎም ምዃኖም ኣዘኻኸርዎም "ነቲ ብህላወ ኢየሱስ ዝተመልአ ልብኻ ብመዝሙር ኣቢልካ ነቲ ምልኣት ጋህዲ ትግበሮ. . . ልክዕ ከምቲ ንልቢ ሰባት ዚትንክፍ ፍላጻ እዩ"